
ትግርኛ
ንሕና ኣብ በይ ኤርያ ዘሎና ክርስትያናት በቲ ኣምላኽ ዝኸፈተልና ናይ ወንጌል ደገ
ብጸጋ ኣምላኽ
ብሕብረት ኣሕዋት
ብቓል ኣምላኽን ብመዝሙርን
ሓድሕዳዊ ምትህንናጽን ብምድግጋፍን
እናተሃናነጽና ሂወትና ንመርሕ ኢና።
እቲ ኣምላኽ ንቤት-ክርስትያኑ ዝሃባ በረኸት ንኹሉ ሰብ ሙኻኑ ንኣምን፡ ሰለዚ ድማ
ብእምነት ቃል እግዚኣብሄር :ንኹሉ ክበጽሕ ንነግርን፡ ን ዝመጽኡ ኣጋይሽ ብፍቕሪ ንቕበልን።
ኣብዚ ሓላፊት ዓለም ኮይና:ነቲ ዘይሓልፍ ክብሪ ጎይታናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ምምላሱ እናተጸበና፡
መጽሓፍ ቅዱስ ንምህር:
ኩሉ ሰብ ንሓድሕዱ ብምድግጋፍ ጾር ሓድሕዱ ክጸውር ነተባብዕ:
ብፍቕሪ ኣምላኽ ተደሪኽና ንምዕድን፡ሰባት ብመንፈሳዊ ጥበብ ክዓቢ ንጽዕት:
ናይ ኣምልኾ ኣገልግሎት ኩሉ ግዜ ሰንበት ኣሎና።
ብትግርኛ ካብ ስዓት 10:30 ቅ.ቀ (ን ቆልዑን መንእሰያትን ዝኸውን (in English ))መደብ ኣሎ ።
ብኢንግሊዘኛ ካብ ስዓት 10:30 ቅ.ቀ
“..ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ ኣሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።” — ሮሜ 8:38-39